ኣብ እዋን ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝጠፍአ ደሃይ

መዛግብቲ ዓለም-ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC)፡ ኣብ እዋን ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ ዝነበረ ግዜ ብ ICRC ዝተኣከቡ`ሞ ንግዳያት ኲናት ዝምልከቱ ውህሉላት ሓበሬታታት ዝሓዙ ማዕከናት እዮም።

  • ንቐዳማይ ኲናት ዓለም ብዝምልከት፡ እቶም ንውልቀ-ሰባት ዝምልከቱ መዛግብቲ ናይ ICRC ብዲጂታዊ መልክዕ ተዳልዮም ስለዝርከቡ፡ ብቐጥታ ኣብ`ዚ ዚስዕብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ምፍታሾም ዝከኣል እዩ፦ http://grandeguerre.icrc.org (ብቛንቋ እንግሊዝ)/
    https://grandeguerre.icrc.org/fr/ (ብቛንቋ ፈረንሳ)።
  • ብዛዕባ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኣስረ ዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ (ወተሃደር ዝነበረ ይኹን በርጌስ) ተጣይቑ እንተሃሊኹም፡ ንሕቶኹም/ጠለብኩም ኣብ`ዚ (ናይ ቋንቋ እንግሊዝ መኽፈቲ መስመር፤ ከምኡ`ውን ብኻልኦት ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል፣ ንኣብነት ብ ቋንቋ ፈረንሳዓረብኛ ን) ከተቕርብዎ ትኽእሉ ኢኹም።